Fana: At a Speed of Life!

ዜጋታት ናይ ምምራፅ ዴሞክራሲያዊ መሰሎም ብምጥቃም ንቑሕ ተሳትፎ ክገብሩ ይግባእ-ቀ/ሚ ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዚያ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ዜጋታት ናይ ምምራፅ ዴሞክራሲያዊ መሰሎም ብምጥቃም ንቑሕ ተሳትፎ ክገብሩ ይግባእ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስ ቡክ ገፆም፥ መበል ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ንምክያድ ሒደት ሰሙናት ከምዝተረፍዎ ኣዘኻኺሮም።

ስለዝኾነ ዜጋታት ኣብቲ መረፃ ናይ ምምራፅ ዴሞክራሲያዊ መሰሎም ብምጥቃም ንቑሕ ተሳትፎ ክገብሩ ትፅቢት ከምዝግበር ሓቢሮም።

ብመሰረት ዓንቀፅ 38 ሕገ መንግስቲ ፌዴሪኢ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ክመርፅን ክምረፅን መሰል ከምዘለዎ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ መፃኢ ዴሞክራሲ ኢትዮጵያ ንምውሳን ብሕጊ ዝፍቀደሉ ኩሉ ሰብ ካርዲ ምርጫ ንከውፅእ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እዚ ንምግባር ድማ መዝንጋዕ ከምዘየድሊ ኣተሓሳሲቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.