Fana: At a Speed of Life!

መረፃ ሰላማዊ ኮይኑ ንኽዛዘም ናይ ባዕሎም ግደ ከምዝዋፅኡ ማሕበረሰብ ትካላት ሲቪል ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መረፃ ሰላማዊ ኮይኑ ንኽዛዘም ናይ ባዕሎም ግደ ከምዝዋፅኡ ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት እናሰርሑ ዝርከቡ ትካላት ማሕበረሰብ ሲቪል ገሊፆም።

ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝገበሩ ኣብ ክልላት ደቡብን ሲዳማን ዝርከቡ ኣመራርሓታትን ኣባላትን ትካላት ማሕበረሰብ ሲቪል፥ ትካሎም ግንዛበ ካብ ምፍጣር ሓሊፉ ሰብኣዊ መሰላት ንኽኽበሩ ከምዝሰርሑ ተዛሪቦም።

መረፃ ንምዕዛብ ዕድል ዝረኸቡ ማሕበራት ሲቢል እውን ኣባላቶም ብምስልጣንን ካብ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ናፃ ብዝኾነ መልክዑ ብዘይሻራዊ ንምዕዛብ ድሉዋት ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ህዝቢ ድምፂ ናይ መሃብ መሰሉ ብግቡእ ክጥቀም ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ማሕበራት ካብአን ትፅፂብት ዝግበር ሓላፍነት ብግቡእ ክዋፅኣ ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም።

ብብርሃኑ በጋሻው

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.