Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ምክትል ኣዶ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 1 ሚያዚያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ ቀረባ እዋን ምክትል ኣዶ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኮይነን ምስዝተመረፃ ዶክተር ሞኒክ ንሳንዛባጋንዋን ተዛቲዮም።

ኣይተ ደመቀ ኣብ ዘተኦም ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኪንሳሻ ዝተኻየደ ድርድር ግድብ ህዳሰ ዝምልከት መብርሂ ሂቦምወን፡፡

ኣፍሪካ ንፀገማት ኣፍሪካዊ መፍትሒ ክረኽቡ ከምዘለዎም ብምእማን ብኣተሓባባራይነት ሕብረት ኣፍሪካ ዝተኻየደ ሰለስተኣዊ ድርድር ንኽቕፅል ፅኑዕ እምነት ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ኣይተ ደመቀ ገሊፆም።

ብኻሊእ መዳይ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ እናተመሓየሸ ከምዝኾነ ነተን ምክትል ኣዶ መንበር ከምዘብርሁለን ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ዶክተር ሞኒንክ ንሳንዛባጋዋን ብግደአን፥ ኣፍሪካዊ ፀገማት ኣፍሪካዊ መፍትሒ ዝብል መምርሒ ብወገን ሕብረት ኣፍሪካ ብፅኑዕ ዝእመነሉ መምርሒ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ኢትዮጵያ ንዘሓዘቶ ቅዋም ዘለወን ናእዳ ገሊፀን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.