Fana: At a Speed of Life!

ንተመዛበልቲ ዕለታዊ ሓገዝ ንምብፃሕን ብዘላቕነት ንምጥያሽን ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ንዝርከቡ ተመዛበልቲ ዕለታዊ ሓገዝ ንምብፃሕን ብዘላቕነት ንምጥያሽን ምስ ክልላት ብምውዳድ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኮሚሽነር ኮሚሽን ብሄራዊ ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኣይተ ምትኩ ካሳ ገሊፆም።

እቶም ኮሚሽነር ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት፥ ክረምቲ ቅድሚ ምእታዉ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ንምምላስ ወይ ድማ ናብ እዋናዊ መዕቐሊ ናይ ምአእታው ስራሕ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም፡፡

ተመዛበልቲ ዝርከቡሉ ርሕቐት፣ ምስ ክልላት ዘሎ ክፍተት ልውውጥ ሓበሬታን ፀገም ፀፅታን ንተጎዳእቲ ቅልጡፍ ምላሽ ንመሃብ ማሕለኻ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ኣብ ቀፃሊ እቶም ፀገማት ንምፍታሕ ክልላት ናይ ባዕለን ዓቕሚ ኣጠናኺረን ንመንግስቲ ፌዴራል እንተይተፀበያ ምላሽ ዝህባሉ ስርዓት ክሳብ ወረዳ ከምዝዝርጋሕ እቶም ኮሚሽነር ኣብሪሆም፡፡

ተመዛበልቲ ብዘላቕነት መሊስካ ንምጥያሽ ምስ ዝተፈላለዩ መሓዙት ኣካላት ብምውዳድ ከምዝሰርሕ እውን ተዛሪቦም፡፡

ብመሰረት እዚ መፃኢ ክረምቲ ቅድሚ ምእታዉ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም፣ ናብ ኣዝማዶም ከምኡ እውን ናብ እዋናዊ መዕቐሊ ናይ ምእታው ስራሕቲ ክስራሕ ኢዩ ኢሎም።

መሓዙት ኣካላት ንተመዛበልቲ እናገበረኦ ዝርከባ ሓገዝ ትሑት ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ኮሚሽነር፥ ክሳብ ሕዚ እናገበሩዎ ዝርከቡ ሓገዝ 30 ሚኢታዊ ጥራሕ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ 2021 ዝሕገዙ ቁፅሪ ሓደሽቲ ተረዳእቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዕላዊ ከምዝግበር ኢዮም ዝሓበሩ፡፡

ብመላኩ ገድፍ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.