Fana: At a Speed of Life!

መእተዊ ውፅኢት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዓመተ 2013 ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መእተዊ ውፅኢት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዓመተ 2013 ዕላዊ ኮይኑ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ተፈጥሮ ሳይንስ ንደቂ ተባዕቲዮ 380 እንትኸውን፥ ንደቂ ኣኒስቲዮ ድማ 368 ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ንዓበይቲ ክልላትን ሰበኽ ሳግምን ድማ ንደቂ ተባዕቲዮ 368 እንትኸውን፥ ንደቂ ኣኒስቲዮ ድማ 358 ከምዝኾነ ሚኒስተር ዴኤታ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ሳይንስን ዶክተር ሳሙኤል ዑርቃቶ ገሊፆም።

ንጉድኣት ኣካል ደቂ ተባዕቲዮ 350 እንትኸውን፥ ንደቂ ኣኒስቲዮ ድማ 345 ከምዝኾነ ብምግላፅ ኣብ ከባቢ ሰበኽ ሳግም ንዘለዉ መእተዊ ውፅኢት 358 ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብ ትግራይን መተከልን፥ ተባዕቲዮ 358፣ ደቂ ኣኒስቲዮ 350 ከምዝኾነ እቶም ሚኒስትር ኣፍሊጦም።

ማሕበራዊ ሳይንስ ድማ ንደቂ ተባዕቲዮ 370፣ ንደቂ ኣኒስቲዮ 358 ኮይኑ ኣሎ።

ንዓበይቲ ክልላትን ሰበኽ ሳግምን ድማ ንደቂ ተባዕቲዮ 358 እንትኸውን፥ ንደቂ ኣኒስቲዮ ድማ 348 ከምዝኾነ ዶክተር ሳሙኤል ዑርቃቶ ገሊፆም።

ንጉድኣት ኣካል ደቂ ተባዕቲዮ 340 እንትኸውን፥ ንደቂ ኣኒስቲዮ ድማ 335 ንክኸውን ተወሲኑ።

ኣብ ትግራይን መተከልን፥ ንደቂ ተባዕቲዮ 348 ከምኡውን ደቂ ኣኒስቲዮ 340 ከምዝኾነ እቶም ሚኒስትር ኣፍሊጦም።

ብሙሃመድ አሊን  መታገስ ኣየልኝን

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.