Fana: At a Speed of Life!

ጉባኤ ዩኒቨርሲቲታት ኢጋድ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጅግጅጋ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉባኤ ዩኒቨርሲቲታት በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጅግጅጋ ክካየድ ኢዩ።

እቲ ጉባኤ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ቀፃልነት ንዘለዎ ምዕባለ ሃገር ዘበርክቱዎ ኣስተዋፅኦዝድህሰሰሉን ካብ ኣባል ሃገራት ኢጋድ ዝውፃእፅኣ ዩኒቨርሲታት ዝሳተፋሉ ከምዝኾነ ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ሶማሌ ፀብፂቡ።

ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ንክልተ መዓልቲታት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጅግጅጋ ዝካየድ እቲ ጉባኤ፥ ካብ ኣባል ሃገራት ኢጋድ ዝተውፃእፅኣ 20 ዩኒቨርሲቲታት ክሳተፋ ኢየን ተባሂሉ።

ኣብ ኣባል ሃገራት ዝረአ ዘሎ ስደትን ምምዝባልን ዜጋታት ዝዝተየሉ ጉባኤ እንትኸውን፥ ዋና ፀሓፊ ኢጋድ  ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ሙስጠፌ መሓመድን ክኸፍቱዎ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.