Fana: At a Speed of Life!

ኩባኒያ ስዑድ ዓረብ ዝኾነ ዲዘርት ቴክኖሎጂ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሓይሊ ፀሓይ ክዋፈር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኩባኒያ ስዑድ ዓረብ ዝኾነ ዲዘርት ቴክኖሎጂ ኣብ ኢትዮጵያ ብሓይሊ ፀሓይ ዝሰርሑ መሳርሒታት ናይ ምፍራይ ድሌት ከምዘለዎ ኣፍሊጡ።

ኣመራርሓታት እቲ ኩባኒያ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ኢትዮጵያ ኣብ ኢንቨስትመንት ዝሕደስ ሓይሊ ኣድሂቦም ተዛቲዮም፡፡

እቲ ልዝብ፥ ኣብ ዘሓለፈ ዓመት ተወከልቲ እቲ ኩባኒያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘካየዱዎ ዑደት ቅድመ ኢንቨስትመንት ስዒቡ ዝተኻየደ ዘተ ኢዩ፡፡

ቀንዲ ዛዕባ እቲ ዘተ ኣብ ኢትዮጵያ ፈተነ ጣቢያታት ንምጥያሽን ሓይሊ ፀሓይ ዘፈልፍሉ ዝተፈላለዩ መሳርሒታት ምስራሕ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ዘድሃበ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ሚኒስቴር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ሰለስተ ቦታት ፕሮጀክት ዝመርፅ እንትኸውን፥ እቲ ኩባኒያ ድማ ናብ ስራሕ ንምእታው ፍልፍላት ገንዘብ ከተኣላልሽ ኢዩ ከምዝተብሃለ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.