Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ጉባኤ ልምዓት ቴሌኮሙዩኒኬሽን ሙሉእ ብሙሉእ ኣፍሪካዊ ንኽኸውን ፀዊዓ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ጉባኤ ልምዓት ቴሌኮሙዩኒኬሽን ሙሉእ ብሙሉእ ኣፍሪካዊ ንኽኸውን ፀዊዓ።

እቲ ፃውዒት ዝቐረበ ብመርበብ ሓበሬታ ኣቢሉ ኣብ ዝተኻየደን ኣብ ቅድመ ምድላው ዓለም ለኸ ኮንፈረንስ ልምዓት ቴሌኮሙዩኒኬሽን ዘድሃበ ኣኼባ ኢዩ።

ኣብ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፕሮግራም ዲጂታል ኢንፎርሜሽን ዶክተር መስፍን በላቸው ንኢትዮጵያ ወኪሎም ኣብ ዝገበሩዎ መደረ መኽፈቲ፥ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብቲ ምድላው ክለዓሉ ዘለዎም ዛዕባታት ብምቕራብን ብምድንፋዕን ካብ ዝገብረኦ ንቑሕ ተሳትፎ ሓሊፉ ምስ ኣሰናዳኢት ሃገር ኢትዮጵያ ብቐረባ ብምስራሕ ሰብ ዋና እቲ ምድላው ከምዝኾና ንኸረጋግፃ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኣብቲ ኮንፈረንስ ኣፍሪካዊ ክብሪታት ከፋልጡን እቲ ኮንፈረንስ ሙሉእ ብሙሉእ ኣፍሪካዊ ንምግባር ክሰርሓ እውን ሓቲቶም።

ኣብ ኣፍሪካ ዘሎ ርክብ ቴክኖሎጂን ኢንተርኔትን ስፍሓትን ዝርገሐን ድኹም ምዃኑ ልምዓት እታ ሃገር ንደሓር እናተጎተተ ምፅሑ እቶም ኣማኻሪ ገሊፆም።

ኣብቲ ኣኼባ ኢትዮጵያ እቲ ዓለም ለኸ ኮንፈረንስ ንምስንዳእ እናገበረቶ ትርከብ ምድላው ብዝርዝር ንኣባል ሃገራት ኣቕሪባ።

ካብ ከተማ ርሒቖም ዝርከቡ ክፋላት ማሕበረሰብ ርክብ ኢንተርኔት ስለዝረኽሉን ንዲጂታል ትርናስፎርሜሽን ኣፍሪካ ዝሕግዙ ሓገዛት ዝምልከቱ ጉዳያት ዓበይቲ ዛዕባታት እቲ ኮንፈረንስ ንኽኾኑ ኢትዮጵያ ሓሳብ ምቕራባ ካብ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.