Fana: At a Speed of Life!

ሸውዓተ ታካላት ልምዓት መንግስቲ ብር 780 ቢሊየን ናይ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ዕዳ ከምዘለወን ተረጋጊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሸውዓተ ታካላት ልምዓት መንግስቲ ብር 780 ቢሊየን ናይ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ዕዳ ከምዘለወን ምርግጋፁ ሚኒስቴር ገንዘብ ኣፍሊጡ።

ንዘይምርግጋእ ማክሮ ኢኮኖሚ ምላሽ ንመሃብ መንግስቲ ካብ ትካላት ልምዓት ምስ ልቓሕን መሰረታዊ ምኽንያታትን ተተሓሒዙ እናሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ድማ መንግስቲ ንኹሉ ዘሓቁፍ ግምገማ ድሕሪ ምክያዱ ሸውዓተ ታካላት ልምዓት መንግስቲ ከምዘለወን ተፈሊዩ ኢዩ ኢሉ።

እተን ትካላት፥ ድማ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ፣ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ፣ ኮርፖሬሽን ምድሪ ባቡር ኢትዮጵያ፣ ግሩፕ ኢትዮ ኢንጂነሪንግ (ብናይ ቀደም ሽሙ ሜቴክ)፣ ኮርፖሬሽን ኬሚካል ኢንዲስትሪ፣ ኮርፖሬሽን ስራሕቲ ኮንስትራክሽንን ኮርፖሬሽን ሽኮርን ኢየን።

እነዚህ ድርጅቶችም በዓለም አቀፍ ደረጃ እና በሀገር ወስጥ 780 ቢሊየን ብር እዳ ተገኝቶባቸዋል።

ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓማውቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልምዓት ሃፍቲ ሰብ ወሳኒ ምምሕያሽ ዘርአየት ትኹን እምበር መሪሕ ህዝቢ ኢንቨስትመንትን ልቓሕን መሰረት ምስ ዝገበረ ሞዴል መሰረተ ልምዓት ተተሓሒዙ ዘይምርግጋዕ ፋይናንስ ከምዝፈጠረ ተሓቢሩ።

ይኹን እምበር እቶም ኢንቨስትመንታት ድሌት መሰረተ ልምዓት ኢትዮጵያ ንምምላእ ወሰንቲ ከምዝነበሩ እቲ ሚኒስቴር ኣፍሊጡ።

ሞዴል እቲ ፋይናንስ ናይ ባዕሉ ፀገማት ከምዝነበሩዎ ዝገለፀ እቲ ሚኒስቴር፥ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓማውቲ ልቓሕ ትካላት ልምዓት መንግስቲ 21 ሚነኢታዊ ወሰኽ ከምዘርአየ ገሊፁ።

መንግስቲ ነዚ መፍትሒ ንመሃብ ናይ እርማት ስጉምቲ እናወሰደ ከምዝርከብን ቀፃልነት ፋይናንስን ኢንቨስትመንትን ትካላት ልምዓት መንግስቲ ብዘምፅ መልክዑ ሓዱሽ ሞዴል እናዳለወ ከምዝኾነ ገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.