Fana: At a Speed of Life!

ማሕበር ጋንታ ኩዕሾ እግሪ ቅዱስ ጊዮርጊስ ንኣሰልጣኒ ፍራንክ ናፓል ዋና ኣሰልጣኒ ገይሩ ሾይሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምስ ደቡብ ኣፍሪካዊ ኣሰልጣኒ ማሂር ዴቪድስ ብስምምዕነት ዝተፈላለየት ማሕበር ጋንታ ኩዕሾ እግሪ ቅዱስ ጊዮርጊስ ንኣሰልጣኒ ፍራንክ ናፓል ዋና ኣሰልጣኒ ገይሩ ሾይሙ።

ኣሰልጣኒ ፍራንክ ኣብ ዓውዲ ኩዕሾ እግሪ ንልዕሊ 35 ዓመታት ብፍላይ ኣብ ኣፍሪካ ብኣሰልጣናይነት ልምዲ ዘኻዕበቱነን ውፅኢታዊን ክኾኑ ዝኸኣሉ ከምዝኾኑ እቲ ማሕበር ኣብ ፌስቡክ ገፁ ኣፍሊጡ።

ፕሮፌሽናል ላይሰንስ ማሕበር ኩዕሾ እግሪ ኣውሮፓ ዘለዎም ፍራንክ ናፓል፥ ካብ ዘዐወቱዎም ዓወታት ብተወሳኺ ንጋንታታት ዌስትብሮም፣ ሬንጀርስን ሚድልስቦሮን ሓዊሱ ዛማሌክ፣ ሀርትስ ኦፍ ሆክን ጉርማሂያን፤ ብፊትነስ፣ ብዋናን ምክትልን ኣሰልጣናይ ኮይኖም ኣገልጊሎም ኢዮም።

እቶም ኣሰልጣኒ ሎሚ መዓልቲ ክታም ኣብ ዘንበሩሉ እዋን፥ ጋንታ ኩዕሾ እግሪ ዝደልዮ ውፅኢት ንምምፃእ ከምዝሰርሑ ተዛሪቦም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.