Fana: At a Speed of Life!

እኒ ኣይተ ስብሓት ነጋ “ዳይና ካብ መዝገብና ይለዓል” ብዝብል ዘቕረቡዎ ሕቶ ተነፂጉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)እኒ ኣይተ ስብሓት ነጋ “ዳይና ካብ መዝገብና ይለዓል” ብዝብል ዘቕረቡዎ ሕቶ ተነፂጉ።

እቶም ተጠርጠርቲ ኣብ ዘሓለፈ ሰሙን እዋን ቆፀሮ ጉዳዮም ዝተመልከቱ ዳይና ሚዛናዊ ኮይኖም ጉዳይና ስለዘይሪኡልና ካብ መዝገብና ይለዓሉልና ክብሉ መመልከቲ ምእታዎም ይዝከር፡፡

ቤት ፍርዲ ብግድኡ እቲ ጉዳይ ተመርሚሩ እቲ ዳይና ኣብ ሓፂር እዋን ነቲ ጉዳይ እንትሪኡ ዘይሻራዊን ፍትሓዊን ኮይኖም ከምዝዳነዩን ብዘይዝኾ ይኹን ፅዕንቶ ጉዳዮም እናተመልከተ ከምዝነበረን ብምምርማር ነቲ ዝቐረበ ሕቶ ነፂጉዎ፡፡

ነዚ ድማ ብዋንኡ እኒ ኣይተ ስብሓት ነጋ ዘቕረቡዎ ስምዕታ ብመረዳእታ ዘይተደገፈን ብሽፉን ዝቐረበ ሕቶን ብምባል ኢዩ ነፂጉዎ ዘሎ፡፡

ብኻሊእ መልክዑ ተጠርጠርቲ ቤት ፍርዲ ይቀየረልና ኢሎም ንዘቕረቡዎ መመልከቲ ድማ እቲ ጉዳይ ምምሕዳራዊ ስለዝኾነን ክትዕ ዝግበረሉ ስለዘይኮነን እቲ ሕቶ ክቐርብ እንተኾይኑ እውን ስልጣን ንዘለዎ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢዩ ክቐርብ ዘለዎ ብምባል ኣይረአዮን፡፡

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ቀፃሊ ከይዲ ውድመ ምርመራ መሰኻኽር ዓቃቢ ሕጊ ኣብቲ ዝምልከቶ ዳይና ብካሊእ ዳይና ርኢቶ ተዋሂቡሉ ክሳብ ዝቐርብ ኣብ ቀፃሊ ብቆፀሮ ቤት ፅሕፈት ክወሃብ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ባታሪኽ ኽዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.