Fana: At a Speed of Life!

ዩኒሴፍ ኣብ ትግራይ ንዘለዎ ተመዛበልቲ 2 ሚሊየን ዶላር ብምስላዕ ዝተፈላለዩ ሓገዛት ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካል መድሕን ህፃናት ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ዩኒሴፍ) ኣብ ትግራይ ንዘለዎ ተመዛበልቲ 2 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ብምስላዕ ዝተፈላለዩ ሓገዛት ይገብር ከምዘሎ ገሊፁ።

እቲ ትካል ኣብ ትግራይ ዝተገበረ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ስዒቡ ብዘጋጠመ ቅልውላው ዋግኡ 2 ሚሊየን ዶላር ዝግመት ልዕሊ 863 ሜትሪክ ቶን ሓገዝ ምግቢ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ።

በቲ ሓገዝ 425 ሺሕን 547 ተመዛበልቲ ተረባሕቲ ከምዝኾኑ ብምግላፅ፥ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዘለዉ ተመዛበልቲ ንመስተን ውልቃዊ ፅርየትን ዘገልግል ማይ፣ ምግቢን ከምዘቕረበ  ሓቢሩ።

በቲ ቅልውላው ጉድኣት ዝበፅሖም ኣብ መዋሰንቲ ከባቢታት ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ዘለዉ እውን ኣብቲ ዝግበር ዘሎ ሓገዝ ተረባሕቲ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ንተመዛበልቲ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝገበር ዓለም ለኻዊ ኮሚቴ ምትሕብባር ኣብ ሽረ ከምዘዋፈረ ዝገለፀ ዩኒሴፍ፥ እቲ ኮሚቴ ኣብ ከተማ ሽረ ንዘለዉ ሓደሽቲ ተመዛበልቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ጥዕና፣ ሃነፅቲ ምግብታትን ካልኦት ኣገልግሎታትን ዝህብ ኢዮ ኢሉ።

ትካል መድሕን ህፃናት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብዝገበሮ ሓገዝ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣብ 10 ወረዳታት ሃነፅቲ ምግብታትን ኣገልግሎት ጥዕናን ዝህቡ ኮሚቴታት ከምዘዋፈረ እውን ተገሊፁ።

በቲ ዘጋጠመ ቅልውላው ዝተጎድኡ 6 ሺሕን 535 ህፃናት ክሳብ ሐዚ ደገፍ ከምዝተገበረሎም እቲ ትካል ዘውፅኦ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.