Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ኤርትራን ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምጅማር ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ኤርትራን ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዳግም ንምጅማር ምስምዕምዐን ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር ኣብርሃም በላይ ተዛሪቦም።

ቀዳማይ  ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ኤረትራ ዝገበርዎ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ብምዝዛም ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሶም።

ኣብቲ ዑደት ዝተሳተፉ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር ኣብርሃም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይን ፕሬዚዳንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂን ኣብ ክልቲኣዊ ዛዕባታት ብምድሃብ ብምዝታይ ኣብ ስምምዕ ከምዝበፅሑ ሓቢሮም።

ህወሓት ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ድሕሪ ምብፅሑ ናብ ኣስመራ ሮኬታት ብምትኳሱ ሰራዊት ኤርትራ ናብ ዶብ ንክኣቱ ከምዝገበሮ ገሊፆም።

እቶም መራሕቲ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፥ ህወሓት ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ድሕሪ ምብፅሑ ናብ ኣስመራ ሮኬታት ብምትኳሱ ናብ ዶብ ኣቲዩ ዝነበረ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ዶብ ሙሉእ ንሙሉእ ለቒቑ ንክወፅእን ሰራዊት ኢትዮጵያ እቲ ከባቢ ንክቆፃፀርን ተስማዕሚዖም።

ብተወሳኺ ኣብ ከባቢ ዶብ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምጅማር ኣብ ስምምዕ ከምዝበፅሓ ተዛሪቦም።

ክልቲአን ሃገራት ብልምዓት ንምትእስሳር ዝተጀመሩ ፕሮጀክትታት መሰረተ ልምዓት ብህፁፅ ንምዝዛምን ሓደሽቲ ፕሮጀክትታት ንምጅማርን ኣብ ስምምዕ ከምዝተበፅሐ ተዛሪቦም።

ብኣላዛር ታደለ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.