Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ኤርትራ ወትሃደራቱ ካብ ዶብ ኢትዮጵያ ንምውፃእ ተስማዕሚዑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኤርትራ ወትሃደራቱ ካብ ዶብ ኢትዮጵያ ንምውፃእ ተስማዕሚዑ።

ኣብ ኤርትራ ዑደት እናገረበሩ ዝርከቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፕሬዚዳንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዝገበሩዎ ልዝብ ኢዮም ኣብ ስምምዕነት በፂሖም ዘላዉ።

ብምዃኑ ድማ ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ብቅልጡፍ እቲ ከባቢ ንኽቆፃፀርን ሓለዋ ንኽቕፅልን ኣብ ስምምዕነት በፂሖም፡፡

ክልቲአን ሃገራት ክልተኣዊ ርክበንን ኢኮነሚያዊ ምትእስሳረንን ብዝበለፀ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ተገሊፁ።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ብዝተበፅሐ ስምምዕነት መሰረት ብምግባር፥ “ኣብ ምትእምማን ዝተደረኸ ጉርብትና ብሓባር ክንሃንፅ ኢና” ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም።

ብፍላይ ኣብ ዶብ ከባቢ ዝነብሩ ዜጋታት ክልል ትግራይን ኤርትራውያንን ወገናትን፥ ኣብ ምትእምማን ምሰርተ ዝገበረ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ምጥንኻር ወሳኒ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.