Fana: At a Speed of Life!

ሰሜን ኮሪያ ክልተ ባላስቲክ ሚሳኤል ናብ ባሕሪ ጃፖን ተኲሳ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰሜን ኮርያ ክልተ ባላስቲክ ሚሳኤል ናብ ባሕሪ ጃፓን ቶኵሳ ክብላ ኣመሪካን ጃፓንን ሓቢረን ከሲሰንኣ።

እታ ሃገር ኣቐዲማ ዝኾነ ፈተነ ባላስቲክ ሚሳኤል ከይትገብር ብሕቡራት ሃገራት ምእጋዳ ይዝከር።

ስለዝኾነ ጃፓንን ደቡብ ኮሪያን ነቲ ብሰሜን ኮሪያ ዝተኻየደ ፈተነ ባላስቲክ ሚሳኤል ኮኒነንኦ ኣለዋ።

ሰሜን ኮሪያ ቅድሚ ክልተ መዓልታት’ውን ባላስቲክ ሚሳኤል ዘይኮነ ሚሳኤል ኣብ ብጫ ባሕሪ ፈተነ ኣካይዳ ነይራ እያ።

ጃፓን ዋላ እኳ ነቲ ብሰሜን ኮሪያ ዝተኻየደ ፈተነ ባላስቲክ ሚሳኤል እንተኾነነቶ፥ ኣብ ክሊ ማያ ዝኾነ ንጣር ናይቲ ባላስቲክ ሚሳኤል ከምዘይዓለበ ሓቢራ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.