Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ምትሕብባር ኮሪያን ሰነድ ስምምዕነት ደገፍ 32 ሚሊየን ዶላር ከቲመን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ምትሕብባር ኮሪያን ሰነድ ስምምዕነት ደገፍ 32 ሚሊየን ዶላር ከቲመን።

ኣብቲ ሰነድ ሰምምዕነት ሚኒስትር ዲኤታ ገንዘብ ወይዘሮ ያስሚን ዎሃብረቢን ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ምትሕብባር ኮሪያ ዶንግ ሆ ኪምን ክታሞም ኣንቢረሙሉ።

እቲ ስምምዕነት ኣብ ዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓማውቲ ተግባራዊ ነዝግበሩ መመሓየሺ ሕርሻ ገፀር፣ መመሓየሺ ከባቢያዊ ስነ ምህዳርን ምፅዋር ለውጢ ከባቢ ኣየርን ከምኡውን ንተፋሰስ ልምዓትን ወዘተ ዘገልግል ኢዩ ተባሂሉ።

በዚ ድማ ሓምለዋይ ልምዓት እዛ ሃገር ብምድጋፍ ተግባራዊ ኣብ ዝግበረሎም ከባቢታት ዝርከቡ 55 ሺሕ ነበርቲ ተረባሕቲ ከምዝገብር ተሓቢሩ።

ብተወሳኺ ኣብ ፕሮግራም ምምሕያሽ ሕርሻ ገፀር ኣብ ኣናእሽቱ ስራሕቲ ግብርና ንዝተዋፈሩ ሓረስቶትን ማእኸላት ስግግር ሕርሻ ገፀር ንምድጋፍ ዝውዕል ኢዩ ተባሂሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.