Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ገፀር ንዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ዕድል ትምህርቲ ንምምዕርራይን ፐለቲካዊ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ንምዕባይን ሓገዝ ምግባር ይግባእ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ብመርበብ ሓበሬታ ተሓጊዙ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሚኒሰስትራት ሰላምን ፀፅታ ሕብረት ኣፍሪካ ተሳቲፎም፡፡

እቲ ኣኼባ፥ “ደቂ ኣንስትዮ ንሰላም፣ ባህሊን ተሳታፋይነትን ኣብ ኣፍሪካ” ብዝብል ርእሲ ብብርኪ ሚኒስትራት ዝተዳለወ ኣኼባ ኢዩ፡፡

ኣምባሳደር ሬድዋን ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ብብርኪ ፌዴራልን ክልል ደቂ ኣንስትዮ ብልዑል መሪሕነት ቦታታት ከምዘሳተፈት ከምኡ እውን ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምኽባር ሰላም ምውፋራ ዘኹርዕ ተግባር ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ደቂ ኣንስትዮ ብምኽንያት ኮቪድ-19 ኢኮኖሚያዊ ፅዕንቶ፣ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ንኽርሕቓ፣ ኣብ ዘይዕድሚአን ሓዳር ክምስርታን ንመጥቃዕቲ ውሽጢ ገዛ ተቓላዕቲ ክኾናን ከምዝገበረን እውን ኣብሪሆም፡፡

ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዙሪያ ደቂ ኣንስትዮ ዝተረኸቡ ዝበረታትዑ ውፅታት ንድሕሪት ከይምለሱ ብዕቱብ ክስራሕ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ደቂ ኣንስትዮ ንማሕበረሰብ ብመንፅር ዘበርክተአቾ ረብሓ ብፖለቲካ ንኽምዕብል ሓገዝ ክግበር ይግባእ ክብሉ ፃውዒት ምቕራቦም ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቓል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸበርናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.