Fana: At a Speed of Life!

ኦነግ ንዘእተዎ ሰነድ መርሚሩ ውሳነ ከምዝህብ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ግንባር ነፃነት ኦሮሞ/ኦነግ/ ዘእተዎ ሰነድ መርሚሩ ውሳነ ከምዝህብ ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኦነግ ብኣይተ ኣራርሳ ቢቂላ ብዝተፅሓፈ ደብዳበ መበል ካልኣይ ሓፈሻዊ 4 መጋቢት 2013 ዓ.ም ከምዝካየደ ኣብቲ ሰነድ ገሊፁ።

ነዚ ስዒቡ እቲ መተሓዳደሪ ደንቢ ከምዘመሓየሸ፣ ብሄራዊ ቤት ምኽሪ እቲ ፓርቲ አውን ከምዝመረፀ ኣብቲ ሰነድ ኣረዲኡ።

ከምኡውን 5 መጋቢት 2013 ዓ.ም ብሄራዊ ቤት ምኽሪ እቲ ውድብ ተኣኪቡ ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ፓርቲ ከምዝመረፀ ዘረድኡ ሰነዳት ሎሚ መዓልቲ ናብቲ ቦርድ ኣእቲዩ።

ብመሰረት እዚ እቲ ዝቐረበ ሰነዳት ከምዝምርምርን ኣድላዪ ውሳነ ከምዝህብን እቲ ቦርድ ገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.