Fana: At a Speed of Life!

ናይ ኣመራርሓ ሰራዊት ሃፍቲ ናይ ምፍላጥን ምምዝጋብን ስራሕቲ ይውገን ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይ ኣመራርሓ ሰራዊት ሃፍቲ ናይ ምፍላጥን ምምዝጋብን ስራሕቲ ይውገን ከምዘሎ ዳይሬክቶሬት ምክትታል ስነ ምግባር ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣፍሊጡ።

ተወካሊ እቲ ዳይሬክቶሬት ሌተናል ኮሎኔል ሃይሉ ኣሰፋ፥ ነቲ ጉዳይ ብዝምልከቶም ኣመራርሓ ሰራዊት ይምዝገብ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ንሰብ ሞያ እቲ ዳይሬክቶሬት ኣብ ክፍለ ሰራዊታት ብምዝውዋር ግንዛበ መጨበጢ ስልጠና ከምዝተውሃበ እውን ገሊፆም።

ሙስናን የሚፀየፍ ብልሹ አሠራርን የሚኮንን እና የሚታገል ዜጋ ለመፍጠር የሀብት ምዝገባ እና ማሣወቅ አንዱ መንገድ ነው ብለዋል፡፡

ብመሰረት እዚ ሃፍቲ ናይ ምፍላጥን ምምዝጋብን ዝግበኦም ኣመራርሓ ሰራዊት ነቲ ኣሰራርሓ መሰረት ብምግባር ሃፍቶም የመዝግቡ ከምዘለዉ ኣረዲኦም።

እቲ ምዝገባ ድማ መከላኸሊ ቅድመ ገበን ካብ ዝበሃሉ ሓደ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.