Fana: At a Speed of Life!

ኮሚሸን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ “ብሄርን ሃይማኖትን መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ክፍፀም ኢዩ” ዝብል ናይ ሓሶት ሓበሬታ ንዝውዝዑ ኣካላት ኣጠንቂቑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሸን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ “ብሄርን ሃይማኖትን መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ክፍፀም ኢዩ” ዝብል ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብማሕበራዊ ሚዲያ ኣቢሎም ኣብ ታ ከተማ ንዝውዝዑ ኣካላት ኣጠንቂቑ።

ኣብ ውሱናት ገፃት ማሕበራዊ ሚዲያታት ናይቲ ማሕበረሰብ ብሓባር ናይ ምንባር ክብሪታት ዘናግዑ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ይውዝዕ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ደንቢ ኽዳን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዝተኸደኑ ይኹን አንበር ታሴራ ፖሊስ ዘይብሎም መናእሰይ በቢመንበሪኡ እናዞሩ ብሄርን ሃይማኖትን ይምዝግቡ ከምዘለዉ ገሊፁ።

እቶም ካበይ ከምዝመፅኡ ዘይፍለጡ ፀጉረ ልውጣት፥ ውሱናት ብሄራትን ሃይማኖታትን ብምፍላይ ንምጥቃዕ ይንቀሳቐሱ ኣለዉ ዝብሉን ኣብ ነባሪ ኣሉታዊ ፅዕንቶ ዘሕድሩ ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ብስፍሓት ይውዝዑ ከምዘለዉ ዝሕብሩ ሓበሬታታት ከምዝበፅሕዎ እቲ ኮሚሽን ገሊፁ።

እዚ ድማ ኣብ ዕለታዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ኣሉታዊ ፅዕንቶ ከምዘሕደረ ሓቢሩ።

ስለዝኾነ ካብ ዝምልከቶ ኣካል ሓበሬታ አንተይሓተቱን ከየረጋገፁን ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ዝውዝዑ ከምኡወን ተቐቢሎም ዘናፍሱ ኣካላት ካብ ዘይሕጋዊ ተግባሮም ንክቑጠቡ ኣተሓሳሲቡ።

“ብሄርን ሃይማኖትን መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ክፍፀም ኢዩ” ዝብል ናይ ሓሶት ሓበሬታ ዝውዝዑ ኣካላት ድማ ኣጠንቂቑ።

ሕብረተሰብ ምስ ኣካላት ፀፅታ ዘለዎ ምትሕብባር ኣጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ብምግላፅ፥ ዘጠራጥሩ ዛዕባታት እንትርከቡ ብናፃ መስመር ስልኪ 991 ወይ 01-11-11-01-11 ምጥቃም ከምዝከኣል መልእኽቱ ኣተሓላሊፉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.