Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ኣመራርሓታት ብሄራዊ ሰራዊት ምክልኻል ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ኣመራርሓታት ብሄራዊ ሰራዊት ምክልኻል ተዛቲዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ከምዝገለፁዎ፥ እቲ ዘተ ሎሚ መዓልቲ ንጉሆ ከምዝተኻየደ ኢዩ፡፡

ኣብ እዋን እቲ ዘተ፥ ሰራዊት ምክልኻል ሓላዊ ሰላምን መኽበሪ ሉኣላውነት ሃገርን ምዃኑ ዝስመዖም ኩርዓት ገሊፆም፡፡

ስነ-ምግባርን ሞያን ዘጠናኽር ከምኡ እውን ኣብ ዝኾኑ ይኹኑ ተግባራት ምኽባር ሕጊ ንክብሪታት እቲ ሰራዊት ዘይውክል ተግባር ዝፍፅሙ ኣባላት ተሓተትቲ ምግባር፣ ብግቡእ ሓላፍነቶም ንዝዋፅኡ ድማ ምሽላም ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ናይ ስመንግባር ክፍተታትን ተሓታትነትን ብግቡእ ስርዓት ስጉምቲ ከምዝውሰደሎም እውን ኣገንዚቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.