Fana: At a Speed of Life!

ኣሰልጣኒ ውበቱ ኣባተ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ንምጥንኻር ክልተ ተፃወትቲ ክፍሊ ምክልኻል ፀዊዖም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ መፃረዪ ፅዋዕ ኣፍሪካ መፃኢ ረቡዕ ምስ ማዳጋስካር መዘናኣ ክትፃወት ኢያ፡፡

እቲ ፀወታ ቀትሪ ሰዓት 10 ኣብ ዓለም ለኸ ስታዲየም ባህርዳር ዝካየድ እንትኸውን፥ ኣሰልጣኒ ውበቱ ኣባተ እታ ሃገራዊት ጋንታ ንምጥንኻር ክልተ ተፃወትቲ ክፍሊ ምክልኻል ወሲኾም።

ብመሰረት እዚ ድማ ተፃዋቲ ጋንታ ኢትዮጵያ ቡና ወንድሜነህ ደረጀን ተፃዋቲ ጋንታ ሰበታ ከተማ መሳይ ጳውሎስን ናብታ ጋንታ ክፅምበሩ ዝተገበሩ ተፃወትቲ ምዃኖም ካብ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.