Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ብሄራዊ ፓርክ ጎቦታት ሰሜን ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ንምቁፅፃር ፃዕሪ ይግበር ኣሎ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 መጋቢት ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ብሄራዊ ፓርክ ጎቦታት ሰሜን ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ንምቁፅፃር ሕብረተሰብ ብምስታፍ ፃዕሪ እናተገበረ ምዃኑ ቤት ፅሕፈት እቲ ፓርክ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ሕብረተሰብን ቱሪምን ኣይተ ታደሰ ይግዛው ከምዝገለፁዎ፥ ትማሊ ካብ ሰዓት 9 ጀሚሩ ኣብ ብሄራዊ ፓርክ ጎቦታት ሰሜን ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣጋጢሙ ኢዩ።

እቲ ባርዕ ሓዊ ኣብቲ ፓርክ ድሕሪ ቧሂት ኣማረ ሸማ ተባሂኑ ዝፅዋዕ ከባቢ ከምዝተፈጠረ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ፥ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ንምውዓል ካብ ትማሊ ጀሚሩ ኣመራርሓታትን ህዝቢ ወረዳ ጃናሞራን ከምኡ እውን ስካውታትን ብርጌድ ተኸላኸልቲ ሓደጋ ብምስታፍ ፃዕሪ ይግበር ኣሎ።

እቲ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ናብ ካልኦት ከባቢታት ከይዛመት ብዝተገበረ ፃዕሪ ብኽፋል ምቁፅፃር ከምዝተኸኣለ እውን ኣብሪሆም፡፡

ኣይተ ታደሰ፥ መበገሲ እቲ ባርዕ ሓዊ እናተፃረየ ከምዝርከብ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.