Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ልዕሊ 21 ኣባላት ኦነግ ሽኔ ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ፖሊስ ኦሮሚያ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያ በዝተገበረ ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ ኣብ ልዕሊ 21 ኣባላት ኦነግ ሽኔ ስጉምቲ ከምዝተወሰደን 96 ተሓባበርቶም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉን  ኮሚሽን ፖሊስ ኦሮሚያ ገሊፁ።

ምክትል ኮሚሽነርን ሓላፊ ዓውጊ ሚዲያን ኮሚኒኬሽንን እቲ ኮሚሽን ጌታቸው ኢታና፥ መነግስቲ እቲ ክልል ህዝቢ ኦሮሞን ኣብቲ ክልል ዝነብሩ ብሄር ብሄረሰባትን ብዘይምንም ስግኣት ፀፅታ ብሰላም ንክነብሩ ዘኽእል እኹላት ሓይሊታት ፅታ በምስልጣን ከምዘዋፈረ ገሊፆም።

ዘላቒ ሰላም ንክነግስ ሕብረተሰብ ንኣካላት ፀፅታ ሓበሬታ ብምሃብ ኣብ ልዕል ኦነግ ሽኔ ዝውሰድ ስጉምቲ ክሕግዝ ይግባእ ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.