Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ዘጋጠሙዋ ፀገማት ብምፍታሕ ዝጀመረቶ ልምዓት ሓሊያ ናይ ምቕፃል ዓቕሚ ኣለዋ ኢንስቲትዩት ታሂ ቻይና

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ዓባይ ሃገር ስለዝኾነት ዘጋጠሙዋ ፀገማት ብምፍታሕ ዝጀመረቶ ልምዓት ሓሊያ ናይ ክትቅፅ ከምትኽእል ሓለፍቲ ስራሕ ትካል ምርምርን ፍልፍል ሓሳብን ኢንስቲትዩት ታሂ ቻይና ገሊፆም።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ተሸመ ቶጋ ኣብ ቻይና ፅንቶ ፈጣሪ ምስ ዝኾነ ኢንስቲትዩት ታሂ ሓለፍቲ ስራሕን ተመራመርቲ ኢንስቲትዩት ኣፍሪካ ቻይና ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣድሂቦም ልዝብ ገይሮም።

እቶም ኣምባሳደር፥ ኣብ ክልል ትግራይ ዝነበረ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ስዒቡ ኣብ ህዝቢ ዝበፅሑ ሰብኣዊ ጉድኣታት ንምፅዋር ዘኽእሉ ሓገዛት ምክፍፋልን ምፅጋን መሰረተ ልምዓታትን እናተኻየደ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ብናይ ወፃኢ መራኸብቲ ሓፋሽ ካብ ዝንገር ብተፃራሪ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ብግቡእ ሰብኣዊ ሓገዝ እናተገበረ ከምዝኾነ እቶም ኣምባሳደር ገሊፆም።

ከይዲ ድርድር ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ድማ ኢትዮጵያ ካብ መፈለምትኡ ኣብ ሞንጎ ተፈሰስ ሃገራት ፍትሓዊ ተረባሕነት ንኽህሉ እናሰርሐት ከምዝፀንሐት፤ ከይዲ ድርድር እውን ኣንፈት ክሕዝ ብምግባር ብፅሒታ ከምዝተዋፀአት ተዛሪቦም።

ኣምባሳደር ተሸመ ኣብ መብርሂኦም፥ ኣብ ትግራይ ዝተፈጠረ ኩነታት ስዒቡ ሱዳን ንክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘዋስን ዶብ ዝተፈጠረ ክፍተት ተጠቒማ ካብ 40 ክሳብ 50 ኪሎ ሜትሮ ዝዘልቕ ዶብ ኢትዮጵያ ጥሒሳ ብምእታው መሬት ኢትጵያ ከምዝሓዘተ ኣልዒሎም፡፡

እዚ ድማ ሉኣላውነት ኢትዮጵያ ዝተሓሰን ብዓለም ለኸ ሕጊ ተቐባልነት ዘይብሉን ምዃኑ ብምሕባር፥ ኢትዮጵያ እቲ ጉዳይ ብዘተን ብድርድርን ንምፍታሕ ልዑል ፃዕሪ እናገበረት ክዝኾነት ገሊፆም።

ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ኢንስቲትዩት ብግደኦም ዝተገበረሎም መብርሂ  ብዛዕባ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ግንዛበ ክረኽቡ ከምዝሓገዞምብምግላፅ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ፀገም ትርከብ ሃገር ስለዝኾት እቶም ሕዚ ዝተፈጠሩ ፀገማት ትፅቢት ዝግበረሎም ኢዮም ኢሎም።

ኢትዮጵያ ዘጋጠሙዋ ፀገማት ብምፍታሕ ዝጀመረቶ ልምዓት ሓሊያ ናይ ምቕፃል ዓቕሚ ኣለዋ ኢሎም ከምዘኣምኑ እውን ገሊፆም።

ቻይና እውን ኩለን ሃገራት ውሽጣዊ ፀገመን ናይ ባዕለን መፍትሒ ከቕምጣሉ እምበር ብካልኦት ኣካላት ፅንቶ ክግበር ኣይትደሊን ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.