Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጂማ ሁውከት ፈጢርኩም ብዝብል ዝተኣሰሩ መናእሰይ ብቤት ፍርዲ ናፃ ይበሃሉ እምበር ክሳብ ሕዚ ከምዘይተፈትሑ ኮሰመኢ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጂማ ሁውከት ፈጢርኩም ብዝብል ዝተኣሰሩ መናእሰይ ብቤት ፍርዲ ናፃ ይበሃሉ እምበር ክሳብ ሕዚ ከምዘይተፈትሑ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚሽን፥ ካብ 6 ለካቲት 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ መንእሰይ መሓመድ ዴክሲሶን ኣብ ናቱ መዝገብ ዝተኸሰሱ ክልተ ሰባትን ዘሎ ከይዲ ፍርዲ ብቐረባ እናተኸታተሎ ምዃኑ ገሊፁ።

እቶም መናእሰይ ኣብ መዓልቲ ምረቓ ዩኒቨርሲቲ ጅማ ሁውከት ፈጢርኩም ብዝብል ተጠርጢሮም ከምዝተኣሰሩ ይፍለጥ፡፡

“ቤት ፍርዲ ወረዳ ከተማ ጂማ 7 መጋቢት 2013 ዓ.ም ንተኸሰስቲ ብናፃ ኣሰናቢቱ ካብ ማእሰርቲ ንኽፍትሑ ይወስን እምበር ሕዚ እውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኢዮም” ክብል እቲ ኮሚሽን ገሊፁ።

ስለዝኾነ ድማእቶም እሱራት ብዝተውሃበ ትእዛዝ መሰረት ብምግባር ብህፁፅ ካብ ማእሰርቲ ንኽልቀቑ ብምሕታት ትእዛዝ ኣቢያተ ፍርዲ ንኽኽበር ኣተሓሳሲቡ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.