Fana: At a Speed of Life!

ሩስያ ኣምባሳደራ ካብ ዋሽንግተን ስሒባ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 መጋቢት ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሽርክና ኣሜሪካን ሩስያን ናብ ግጉይ መገዲ ብምብፅሑ፥ መንግስቲ ሩስያ ኣብ ኣሜሪካ ዝነበረ ኣምባሳደሩ ኣናቶሊ ኣንቶኖቭ  ናብ ሞስኮ ክምለስ ከምዝፀውዐ ኣፍሊጡ።

ሩስያ ኣብ ዋሽንግተን ዝነበረ ኣምባሳደራ ዝሰሓበት፥ ፕሬዚዳንት ጆ ባይደን  ቭላድሚር ፑቲን ኣብ መረፃ ኣሜሪካ ኢዱ ምእታዉ “ዋጋ ክኸፍል” እዩ ምባሎም ስዒቡ እዩ ተባሂሉ።

ባይደን ምስ ማዕኸን ዜና ኤቢሲ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕተት፥ ፕሬዚዳንት ሩስያ ቀታሊ ኔሩ ኢሎም ከምዝሓስቡ ኣረጋጊፆም።

ጆ ባይደን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ መረፃ ኣሜሪካ፥ ኣብ ግዘ ጎስጓስ ኢድ ኣእታውነት ክህሉ ቭላድሚር ፑቲን ፍቓድ ሂቡ እዩ፤ ኣብ ዝብል ፀብፃብ ኤጀንሲ ስለላ ኣሜሪካ፡ ርኢቶ ከምዝሃብሉ ተገሊፁ።

እቲ ፀብፃብ፥ ሩስያ ምስቲ ብጆ ባይደን ዝተስዓሩ ፕሬዚዳንት ነበር ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብምውጋን ኣብቲ መረፃ ፀቕጢ ንምፍጣር ፈቲና ኢሉ ይኸስስ።

ወሃቢ ቃል ፕሬዚዳንት ፑቲን ዲሚትሪ ፔስኮቭ ድማ፥ እቶም ክስታት ብመረዳእታ ዘይተደገፉን ንርክብ ክልቲአን ሃገራት ዝሃስዩን እዮም ኢሎም።

ኣሜሪካ ብመሰረት ድምዳመ ፀብፃብ ኤጀንሲ ስለላ እታ ሃገር፥ ኣብቲ ዝቕፅል ሰሙን ኣብ ልዕሊ ሩስያ ማዕቀባት ክተንብር ትፅቢት ይግበር።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.