Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ላስቬጋስ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ ልዕሊ ሃገሮም ዝግበር ዘይተገበአ ዲፕሎማሲያዊ ፅዕንቶ ብምቅዋም ሰልፊ ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2013(ኤፍ ቢሲ)ኣብ ላስቬጋስ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ብሓደ ሓደ ኣካላት መውፃእቲን ኣፈፀምቲን ሕጊ ኣሜሪካ ዝግበር ዘይተገበአ ዲፕሎማሲያዊ ፅዕንቶ ብምቅዋም ሰልፊ ኣካይዶም።

ኢትዮጵያውያን፣ ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ፈተውቲ ኢትዮጵያን ኣብ ዝገበሩዎ ሰልፊ፥ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ መጥቃዕቲ ብምፍፃም ኣብ ኢትዮጵያ ዝፈፀሞ ገበን ክሕደትን ምርባሽ ሰላምን ኮኒኖም፡፡

ገበን ክሕደት ብምኹናንን ብስርዓት ህወሓት ተረባሕቲ ብዝኾኑ ዝተወሰኑ ጉጅለታት ዳያስፖራ ብዝገበሩዎ ድፍኢት፤ ዝተወሰኑ ኣካላት መውፃእቲን ኣፈፀምቲን ሕጊ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝገብሩዎ ዘይተገበአ ዲፕሎማሲያዊ ፅዕንቶ ተቓዊሞም፡፡

ነቲ ሰልፊ ዘተሓባበሩዎ፥ ኮሙኒቲ ኢትዮጵያ ኣብ ላስቬጋስን ኣባላት ንኡሽተይ ጉጅለ ፐብሊክ ዲፕሎማሲ ላስቬጋስን ኢዮም።

እቶም ኣባላት ዳያስፖራ ንሃገሮምን መንግስቲን ዘለዎም ድጋፍ ገሊፆም፡፡

ኣብ ዲፕሎማሲያዊ መዳይ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝግበር ዘይፍትሓዊ ፅዕንቶ ብዝተዋደደ መገዲ ንምፅዋር ምስ መንግስቲ ተዋዲዶም ንምቅላስ ምውሳኖም ኣረጋጊፆም።

እቶም ሰልፈኛታት፥ ረብሓ ኢትዮጵያ ዘንፀባርቕ በዓል 12 ነጥቢ መግለፂ ቅዋም እውን ኣውፂኦም ኢዮም፡፡

ኣብ መወዳእታ ድማ ሕቶኦም ኣብ ግዝኣት ኔቫዳ ተመረፅቲ ንዝኾኑ ክልተ ሴናተራትን ኣርባዕተ ኣባላት ኮንግረስን ብፅሑፍ ምቕራቦም ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.