Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ዝግበር ሰብኣዊ ደገፍ ብዝተቐላጠፈ ኩነታት ይሳለጥ ኣሎ-ቤት ፅሕፈት ምትሕብባር ሰብኣዊ ጉዳያት ውሕመ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 መጋቢት ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ትግራይ ዝግበር ሰብኣዊ ደገፍ ብዝተቐላጠፈ ኩነታት ይሳለጥ ኣሎ ክብል ቤት ፅሕፈት ምትሕብባር ሰብኣዊ ጉዳያት ውድብ ሕቡራት መነገስታት(ውሕመ) ኣፍሊጡ።

እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብቲ ክልል ዝግበር ዘሎ ኣቕርቦት ሰብኣዊ ደገፍ ብዝምልከት ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ ኣብቲ ክልል ዓለም ለኻዊ ትካላት ሰብኣዊ ደገፍ ይገብራ ኣለዋ ኢሉ።

ክሳብ ሐዚ ኣብ ትሕቲ ውሕመ ኣብ ዝመሓደራ ትካላት ዝሰርሑ  240 ኣባላት ኣብቲ ክልል ይንቀሳቐሱ ከምዘለዉ እውን ሓቢሩ።

ብተወሳኺ ካብ ካልኦት ትካላት ዝተውፃእፅኡ ለዕሊ 1 ሺሕ ደገፍ ወሃብቲ ትካላት ኣብቲ ክልል ደገፍ ይገብሩ ከምዘለዉ ገሊፁ።

ክሳብ ሐዚ 900 ሺሕ ንዝኾኑ ሰባት ምግብን ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ሰብኣዊ ደገፋትን ከምዝተገበረ ተዛሪቡ።

ኣብ ትግራይ ሙሉእ ደገፍ ንምግባር ተወሳኺ 400 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ከምዘድሊ ድማ ኣፍሊጡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.