Fana: At a Speed of Life!

ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ደረጃታት ናይ 285 ብሄራዊ ደረጃታት ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ደረጃታት ናይ 285 ብሄራዊ ደረጃታት ኣፅዲቑ።

ብሄራዊ ኤጀንሲ ደረጃታት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሃቦ መግለፂ፥ እቲ ቤት ምኽሪ ነቶም ደረጃታት ዘፅቖም ብሽዱሽተ ዘፈራት ተዳሊዮም ካብ ሞንጎ ዝቐረቡ 589 ረቂቕ ደረጃታት ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

እቲ ቤት ምኽሪ፥ 18 ደረጃታት ብዘፈር ሕርሻ ምግቢ፣ 28 ብመሰረታዊን ሓፈሻዊ ዘፈር፣ 72 ደረጃታት ኬሚካልን ውፅታት ኬሚካልን፣ 79 ደረጃታት ብሲቪል ኢንጂነሪንግ ኮንስትራክሽን፣ 29 ብ ኤሌክትሮ ሜካኒካል ከምኡ እውን 19 ደረጃታት ብጥዕናን ድሕንነትን ከባቢ ኣዲቑ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ኣይተ እንዳለው መኮንን፥ ምስ ኮቪድ-19፣ ዲጂታል ፋይናንስ፣ ምምሕያሽ ፍርያትን ፍርያታውነትን ሕርሻ፣ ሓለዋ ከባቢ ኣወጋግዳ ረሳሕን ዝተተሓሓዙ ርክባት ዘለዎም ደረጃታት ብዝተፈለየ ምልከዑ ተግባራዊ ንኽኾኑ ከምዝተፈለዩ ተዛሪቦም።

እቶም ደረጃታት ፅሬት ፍርያትን ኣገልግሎትን ንምምሕያሽ ከምኡ እውን ተወዳዳራይነት ንግዲን ኢንዱስትሪን ንምድንፋዕ ርኡይ ተራ ከምዘለዎ ተዛሪቦም።

ኣፍረይቲን ኣገልግሎት ወሃብቲን ዝወፅኡ ብሄራዊ ደረጃታት ኣብ ውሽጢ ግምት ብምእታው ንኽሰርሑ ኣገንዚቦም።

ኢትዮጵያ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ ከይዲ 11 ሺሕን 409 ብሄራዊ ደረጃታት ፍርያት ከምዘለዉዋ ካብቲ ኤጀንሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.