Fana: At a Speed of Life!

ክልል ሶማሌ ኣብዚ ሐዚ እዋን ንዘለዋ ሰላም፣ ልምዓትን ምዕባለን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ልዑል ግደ ከምዘበርከተ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ክልል ሶማሌ ኣብዚ ሐዚ እዋን ንዘለዋ ሰላም፣ ልምዓትን ምዕባለን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ልዑል ግደ ከምዝነበሮ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ሙስጠፌ መሓመድ ተዛሪቦም።

እቲ ክልል ኣብ ዝሓለፉ ብዙሓት ዓማውቲ ልዑል ፀገም ፀፅታ ከምዝነበሮ ብምግላፅ፥ መስዋእቲ ህይወት ብምኽፋል ኣባላት ሰራዊትን ኣመራርሓን እዚ ምብራቕ ልዑል ግደ ኣበርኪቶም ኢዮም ኢሎም።

ደሕሪ ለውጢ ኣብቲ ክልል ተፈጢሩ ዝነበረ ፀገም ፀፅታ ብቕልጡፍ ብምቁፅፃር ሀዝባዊነቱ ዘመስከረ እንትኸውን፥በዚ ድማ ኣብቲ ክልል ክበፅሕ ዝነበረ ቅልውላው ክቕንስ ከምዝኸኣለ ሓቢሮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.