Fana: At a Speed of Life!

ቻይና ወደብ ሞምባሳ ክትወርስ ትኽእል ኢያ ዝብለ ወረ ሓሶት ምዃኑ መንግስቲ ኬንያ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኬንያ ንህንፀት መገዲ ባቡር ካብ ቻይና ዝተለቀሐቶ ልዑል ገንዝብ ክትምልስ እንተዘይክኢላ ቤጂንግ ወደብ ሞምባሳ ክትወርስ ዝብል ወረ ሓሶት ከምዝኾነ መንግስቲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

472 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ መገዲ ባቡር፥ ወፃኢኡ ፈለማ ካብ ዝተሃቀነሉ ወፃኢ ኣርባዕተ ዕፅፊን ዓልም ለኸ ደረጅኡ ድማ ሰለስተ ዕፅፊ ሓለፋ ከምዘለዎ ተሓቢሩ።

ኣብ ኬንያ ዝርከብ ጋዜጣ ኣብ ናይ ትማሊ ሕታሙ፥ “ኬንያ ካብ ቻይና ዝተለቀሐቶ 3 ነጥቢ 2 ቢሊየን ዶላር ክትምልስ እንተዘይክኢላ፤ ቻይና ወደብ ሞምባሳ ክትወርስ ትኽል ኢያ” ዝብል ፀብፃብ ኣውፂኡ ነይሩ።

ይኹን እምበር ኬኒያ ብቻይና ይኹን ብኻሊእ ሃገር ወደብ ሞምባሳ ክትስእነሉ ትኽል ምኽንያት ከምዘየለ ሚኒስቴር ገንዘብ እታ ሃገር ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣገንዚቡ ኣሎ።

ንህንፀት እቲ ፕሮጀክት ካብ ቤጂንግ ዝተረኸበ ልቓሕ እውን ፓርላማ እታ ሃገር እንተየፅደቖ ብኻሊእ ዝተፈለየ መገዲ ክምለስ ከምዘይኽእል እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.