Fana: At a Speed of Life!

ክሳብ ዝቕፅል ዓመት ወርሒ ታሕሳስ 20 ሚኢታዊ ዜጋታት ክታበት ኮቪድ 19 ንምኽታብ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ክሳብ 30 ታሕሳስ 2014 ዓ.ም 20 ሚኢታዊ ዝኾኑ ዜጋታት ክታበት ኮቪድ 19 ንምኽታብ እናተሰርሐ ምዃኑ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

እዚ ዝገለፁ ድማ፥ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጥዕና ዶክተር ደረጀ ዱጉማ ኢዮም፡፡

እቲ ሚኒስቴር ቅድሚት ክታበት ንዝወሃቦም ክፋላት ሕብረተሰብ ብርኪ ብብርኪ ንመሃብ ዘኽእል ስራሕቲ ቅድመ ምድው እናዛዘመ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርገሐ ቫይረስኮሮና ከምዝወሰኸን ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ብፅኑዕ ዝሓሙን ዝሞቱን ሰባት ቁፅሮም ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናወሰኸ ከምዝርከብ ገሊፆም፡፡

እቶም ሚኒስትር ዲኤታ፥ ሕብረተሰብ ሕዚ እውን እናተገበሩ ዝነበሩ ጥንቃቐታት ብዕዙዝ ተግባራዊ ክገብር ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፥ ኮባክስ ምስዝተበሃለ ዓለም ለኸ ጥምረት 2 ነጥቢ 2 ሚሊየን ቀዳማይ ዙር ክታበት ምርካቡን ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ድማ ብብርኪ ሃገር ክታበት ምሃብ ከምዝተጀመረን ይፍለጥ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.