Fana: At a Speed of Life!

ምክትል ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ክታበት ፀረ ኮቪድ19 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዕሊ ኣጀሚረን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ክታበት ፀረ ኮቪድ19 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከፍለ ከተማ ኣዲስ ወረዳ 10 ብዕሊ ሎሚ መዓልቲ ኣጀሚረን።
እተን ምክትል ከንቲባ እቲ ለበዳ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝኣቱ ጀሚሩ ቅድመ ገንባር ብምዃን ነቲ ሕማም ዝከላኸሉን ዝቆፃፀሩን ንዘለዉ ሰብ ሙያ ጥዕና አመስጊነን።
እቲ ክታበት ብቐዳምነት ነቶም ሰብ ሞያ ከምዝወሃብ ብምግላፅ፥ ሕብረተሰብ እቲ ክታበት ክሳብ ዝበፅሖ ጥንቃቐ ንክገብር ፃውዒት ኣቕሪበን።
እቲ ክታበት ኣብ ከልል ኣምሓራን ኦሮሚያን እውን ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ተጀሚሩ ኢዩ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.