Fana: At a Speed of Life!

ኣፍሪካውያን ናይ ባዕሎም ፀገም ባዕሎም ንምፍታሕ ተቐራሪቦም ክሰርሑ ይግበኦም – ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዩጋንዳ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 መጋቢት ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ዩጋንዳ ኣለምፀሃይ መሰረት ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሳም ኩቴሳ ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያትን እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያን ኣድሂቦም ልዝብ ኣካይደን።

ኢትዮጵያን ዩጋንዳን ዝፀንሐን ጥንኩርን ርክብ ከምዘለወን፤ ርክበን ድማ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ካብ እዋን ናብ እዋን እናተፃረየ ምምፅኡ ክልቲኦም ሓለፍቲ ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ ተገሊፁ።

ኣምባሳደር ኣለም ፀሃይ፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ሰትግራይ እናካየዶ ዝርከብ ሰፊሕ ስራሕቲ መሊስካ ህንፀትን ሰብኣዊ ሓገዝን እናሰርሐ ምዃኑ ገሊፀን።

ብተወሳኺ እውን ክልል ትግራይ ንወሃብቲ ሰብኣዊ ሓገዛትን ዓለም ለኸ መራኸብቲ ሓፋሽን ብዘይምንም ገደብ ክፍቲ ምግባሩ ኣብሪሀን።

እተን ኣምባሳደር ካብዚ ብተወሳኺ ሱዳን ሉኣላዊ ግዝኣት ኢትዮጵያ ብሓይሊ ከምዝሓዘትን ንዝፀንሐ ርክብ ክልቲኦም ህዝቢታት ከምዘይውክል ገሊፀን።

ኢትዮጵያ ኣብ ሞንጎ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝተፈጠረ ውጥጥ ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ እናገበረቶ ትርከብ ፃዕሪ እውን ገሊፀን፡፡

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዩጋንዳ ሳም ኩቴሳ ብግደኦም፥ ኣፍሪካውያን ናይ ባዕሎም ፀገም ባዕሎም ንምፍታሕ ተቐራሪቦም ክሰርሑ ይግባእ ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.