Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣሜሪካ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ ቢሮ ኒውዮርክ ታይምስን ሲ ኤን ኤንን ተረኺቦም ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣሜሪካ ዝተፈላለዩ ግዝኣታት ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልዲ ኢትዮጵያውያንን ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ውድብ ሕቡራት መንግስታት፣ ቢሮ ኒውዮርክ ታይምስን ሲ ኤን ኤንን ተረኺቦም ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

እቶም ሰልፈኛታት ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ካልኦት ኣካላትን ብደገፍቲ ፅንፈኛ ህወሓት ዝፍነዉ ናይ ሕሶት ፕሮፖጋንዳታት ተመርኲዞም ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ንምፍጣር ዝፍተኑዎ ዘለዉ ዘይተገበአን ፍትሓዊ ዘይኮነን ፅዕንቶ ጠጠው ንኸብሉ ሓቲቶም።

ከም ኒውዮርክ ታይምስን፣ ሲ ኤን ኤንን ካልኦት ትካላት መራኸብቲ ሓፋሽን እውን ዘይተጨበጠ ሓበሬታ ተደሪኾም ምስ ሉኣላውነት ኢትዮጵያ ዝፃረርን ካብ ሓቂ ዝረሓቑን ሓበሬታታት ካብ ምፍናው ክዕቀቡ ድምፆም ኣስሚዖም።

መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝወሰዶ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ከምኡ እው ኣብ ትግራይን ካልኦት ከባቢታትን እናገበሮ ዝርከብ ሰብኣዊ ሓገዝን መሊስካ ህንፀትን ከምዝድግፉ እውን ገሊፆም።

እቶም ሰልፈኛታት፥ ኣሜሪካ ድርድር ግድብ ህዳሰ ብፍትሓዊነት ንኽዛዘምን ሱዳን ሉኣላዊ ግዝኣት ኢትዮጵያ ለቒቓ ንኽትወፅእ ኣወንታዊ ግደ ንኽትዋፃእ ምሕታቶም ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ካብ ኣሜሪካ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.