Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ምስ ማሕበረሰብ ዓለም ብምትሕብባር ንምስራሕ ድልውቲ ምዃና ኣምባሳደር ታየ ኣፅቀ ስላሴ ኣፍሊጦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ምስ ማሕበረሰብ ዓለም ሃናፂ ብዝኾነ መልክዑ ብምትሕብባር ንምስራሕ ድልውቲ ምዃና ቀዋሚ ልኡኽ ኣምባሳደር ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ታየ ኣፅቀስላሴ ኣፍሊጦም።

ኣምባሳደር ታየ እናዊ ኩነታት ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ኣመልኪቶም ናብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ደብዳበ ፅሒፎም፡፡

ኣብ ደብዳበኦም ድማ ኢትዮጵያ ምስ ማሕበረሰብ ዓለም ተሓባቢራ ንምስራሕ ደልውቲ ከምዝኾነት ገሊፆም፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ እናገበሮ ዝርከብ ሰብኣዊ ሓገዝን ኣብ መሊስካ ህንፀትን ዝገብሮ ድጋፍ ንኸጠናኽር እውን ሓቲቶም፡፡

ኣምባሳደር ታየ ኣብ ደብዳበኦም፥ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ምፍፃሙን ከምዚ ዓይነት ገበን ድማ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘይተረኣየ ከምዝኾነን ገሊፆም፡፡

ምስ እዚ ተተሓሒዙ እውን መንግስቲ ሕጊን ስርዓትን ንምኽባር ኣድላዪ ስጉምቲ ከምዝወሰደ ኣገንዚቦም፡፡

ኣብ ከይዲ ምኽባር ሕጊ ድማ ምምዝባል ዜጋታትን ዕንወት መሰረተ ልምዓታትን ከምዘጋጠመ ብምግላፅ፥ ስሩዕ ናብራ ሰባት ከምዝተኣጓለን ብፍላይ ኣብ ክልል ትግራይ ሕፅረት ምግቢ ከምዘጋጠመን ኣፍሊጦም፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመንፅር ፖሊሲ ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ንሰባኣዊ ሓገዝ ቅድሚት ምሃቡ ዝሓበሩ እቶም ኣምባሳደር፥ ዝተፈጠረ ክፍተት ንምምላእ ድማ ምስ ሃገር በቀልን ዓለም ለኸ ትካላትን ተዋዲዱ እናሰርሐ ምዃኑ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ከይዲ ምሃብ ሰብኣዊ ሓገዝ፥ ትካላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሓዊሱ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ንዘሃቡዎ ምላሽ መንግስቲ ዘለዎ ናእዳ ገሊፆም፡፡

ምስ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ተተሓሒዙ፥ መንግስቲን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን እናሰርሑ ከምዝኾኑ ብምግላፅ ኣለዉ ኣብ ዝተብሃሉ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ዝገብሩዎ ምርመራ ከምዝቕፅሉን ዝረኸቡዎ ውፅት ዕላዊ ከምዝገብሩ እውን ኣብሪሆም፡፡

ኣብዚ ከይዲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝግበረሉ ሓገዝ ብምትሕብባር ንምስራሕ ድሉው ኢዩ ዝበሉ ኣምባሳደር ታየ፥ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰል ንምኽባርን ዝበፅሑ መጥቃዕቲታት ንምክልኻል ቆራፅ ኢያ ኢሎም፡፡

ኢትዮጵያ ኣለዉ ዝተብሃሉ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ተተሓሒዙ ተሳቲፎም ኣብ ዝተብሃሉ ኣካላት ናብ ሕጊ ከምተቕርብ እውን ኣፍሊጦም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.