Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ጅቡቲን ኣብ ጉዳያት ዶብን ፀፅታን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ስምምዕነት ከቲመን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያን ጅቡቲን ኣብ ጉዳያት ዶብን ፀፅታን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ከቲመን።

ኣብቲ ሰነድ ስምምዕነት ኮሚሽነር ጄኔራል ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ደመላሽ ገ / ሚካኤልን ዳይሬክተር ብሄራዊ ሓይሊ ፖሊስ ጅቡቲ ኮሎኔል ኣብዲላሂ ኣብዲ ክታሞም ኣንቢረሙሉ።

ኣብቲ ስምምዕነት ኣብ ክልቲአን ሃገራት ብቕዓት ዘለዎም ኣባላት ፖሊስ ምፍራይ ዝብል እውን ከምዘለዎ ተሓቢሩ።

ብተወሳኺ ኣብ ምኽባር ሰላም ፖሊስ፣ ፎረንሲክ ሳይንስ፣ ትምህርትን ስልጠና ሓይሊ ሰብን ዝተሓባበራ እንትኾና፥ ኣብ ድሬዳዋን ጅቡቲን ናይ ሓባር ግብረ ሓይሊ ንምጥያሽ ከምዝተስማዕማዓ አወን ተሓቢሩ።

በቢሽዱሽተ ኣዋርሕ ብላዕለዎት ሰብ መዚ እቲ ዓውዲ ልዝብ ንምግባር እውን ተስማዕሚዐን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.