Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ንመዘመኒ ስርዓት ክፍሊት ኤሌክትሮኒክስ ኢትዮጵያ ዝኸውን 2 ነጥቢ 3 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ንመዘመኒ ስርዓት ክፍሊት ኤሌክትሮኒክስ ኢትዮጵያ ዝኸውን 2 ነጥቢ 3 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ኣፅዲቑ።

ዳይሬክተራት ቦርድ እቲ ባንኪ፥ መሰረተ ልምዓት እቲ ስርዓት ክፍሊት ብብሄራዊ ባንኪ ዝምራሕ ሓገዝ ማሕበር ኣክሲዮን ኢት ስዊች ኣፅዲቑ ኣሎ፡፡

እቲ ናይ ሕዚ ሓገዝ፥ ኣብ ኣፍሪካ ስርዓት ክፍሊት ኤሌክትሮኒክስ ንምስፍሕፋሕ ካብ ዝተጣየሸ ዲጂታል ፋይናንሺያል ፋሲሊቲ ኣፍሪካ ካብ ዝተብሃለ ፍሉይ ስርዓት ፈንድ እቲ ባንኪ ዝተረኸበ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ኣፍሪካ ባንኪ ዘይጥቀሙ 332 ሚሊየን ሰባት ተጠቀምቲ ዲጂታል ስርዓት ክፍሊት ንምግባር ዝዓለመ ሓገዝ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.