Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮንን እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ንዓለም ንምፍላጥ ኣብ ዋሸንግጸን ዲሺ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ንዝካየዱዎ ሰልፊ ኣመስጊኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርና ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ኢትዮያውያን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ትኽክለኛን እዋናዊ ምስሊን ንዓለም ንምፍላጥ ኣመልኪቶም ዘካየዱዎ ሰልፊ መስጋና ኣቕሪቦም።

ኣይተ ደመቀ መኮንን፥ “ንመላእ ህዝቢ ዓለም ዘጋዋሕኹምዎ ሓቃዊን ታሪኻዊን ሰልፊ ኣዚዩ ዝነኣድ ኢዩ” ክብሉ ኣብ ፌስቡክ ገፆም ገሊፆም፡፡

እቶም ሰልፈኛታት ንዝፈፀሙዎ ዘኹርዕ ተግባር ዘመስገኑ እቶም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ፥ “ኮሪዕናልኩም” ክብሉ ተዛሪቦም፡፡

ብተመሳሳሊ ኣብ ካልኦት ክፍለ ዓለማት ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ነባራዊ ኩነታት ንምዕራብ ዓለም ንምግንዛብ ብዓበይቲ ሰልፊታት ንምግባር ኣብ ምድላው ዝርከቡ አትዮጵያውያን ኣበረታቲዖም፡፡

ኣብ ቀፃሊ እውን ኩሉ ሃገሩ ንቕድሚት ብምግባር ብፅኑዕ ሓድነትን ምትሕብባርን እዋኑ ዝሓቶ ታሪኻዊ ቃልሲ ንኽገብር ኣተሓሳሲቦም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.