Fana: At a Speed of Life!

 “ሓድነት ንኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ  ዋሸንግተን ዲሲ ሰላማዊ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) “ሓድነት ንኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣሜሪካ፣ ግዝኣት ዋሸንግተን ዲሲ ሎሚ መዓልቲ ሰላማዊ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ።

“ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝንዝሑ ናይ ሕሶት ፕሮፓጋንዳታት ምስሊ ኢትዮጵያ ካብ ምብልሻው ሓሊፉ ሉኣላውነት ሃገር ዝዳፈሩ ስለዝኾኑ እቲ ሓቂ ክፍለጥ ምግባር ክንቃለስ ኢና ክብሉ ኢዮም እቶም ኢትዮጵያውያን ገሊፆም፡፡

ካብ ሞንጎ መተሓባበርቲ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣይተ ጣሰው መልኣከህይወት ካብ ዋሸንግተን ዲሲ ከምኡ እውን ኣይተ ቢንያም ጌታቸው ካብ ካሊፎርኒያ ከምዝገለፅዎ፥ መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዘካየዶ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ስዒቡ ተረፍ መረፍ እቲ ጁንታን ናቶም ደገፍቲ ሚዲያታትን ማሕበረሰብ ዓለም ንምስሕሓት ዝተፈላለዩ ፃዕሪታት እናገበሩ ኢዮም።

መንግስቲ፣ ማሕበረሰብ ዳያስፖራን ዝተፈላለዩ ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ብምትሕብባር ንትግራይ መሊስካ ንምጥያሽን እናተሰርሑ ዝርከቡ ሰብኣዊ ሓገዛትን ገዲፎም ናይ ሕሶት ሓበሬታ እናጋውሑ ይርከቡ ኢሎም።

እቲ ተግባር ምስሊ ኢትዮጵያ ካብ ምብልሻው ሓሊፉ ኣብ ልዕሊ ሉኣላዊነት ሃገር ዝተሃቀነ መጥቃዕቲ ስለዝኾነ ንኹሉ ኢትዮጵያዊ ዘናድድ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣብ ኣሜሪካ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ እዋናዊ ኩነታት እዛ ሃገር ይኹን ኣብ ልዕሊ ግድብ ህዳሰ ሱዳንን ግብፂ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ንምብፃሕ ዝፍትነኦ ፅዕንቶ ከምዘይዕገሱ እቶም መተሓባበርቲ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ብዓለም ለኸ መራኸብቲ ሓፋሽ ዝፍነዉ ዝተዛብዑ ሓበሬታታት ብምቅዋም ሰላማዊ ሰልፊ የካይዱ ኣለዉ።

ኣብቶም ሰላማዊ ሰልፊ ዝመሓላለፉ መልእኽታት፥ ኣብ ልዕሊ ሉኣላውነት ኢትዮጵያ ዝተሃቀነ ኢድ ኣእታውነት ከምዘየድሊ ዘገንዝቡ ኢዮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.