Fana: At a Speed of Life!

ውሱናት ዓለም ለኻዉ ሚዲያታት እቲ ጁንታ ናይ ዝወደቦም ሰባት ሓሳብ ጥራሕ ብምውሳድ ብዛዕባ ትግራይ ዝተዛበዐ ሓበሬታ ምውዝዖም ጌጋ ኢዩ – ዶክተር ሙሉ ነጋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ውሱናት ዓለም ለኻዉ ሚዲያታት እቲ ጁንታ ናይ ዝወደቦም ሰባት ሓሳብ ጥራሕ ብምውሳድ ብዛዕባ ትግራይ ዝተዛበዐ ሓበሬታ ምውዝዖም ጌጋ ኢዩ ክብሉ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ሙሉ ነጋ ኣፍሊጦም።

ዶክተር ሙሉ፥ እቲ ሓበሬታ ኣብ መሬት ዘየለን ዝተዛበዐን ኢዩ ኢሎም።

እቲ ጉጅለ ጥፍኣት ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ተበቲኑ ፀገም እናፈጠረ፣ ህዝቢ እናጎድአን ሰላም ማሕበረሰብ ንምህዋኽ ይንቀሳቐስ ኣሎ ኢሎም።

ነዚ ኣብ ዝገብሩ ድማ ሕጋዊ ስጉምቲ ይውሰድ ኣሎ ከብሉ ገሊፆም።

እቶም መራኸብቲ ሓፋሽ እቶም ኣባላት ጉጅለ ጥፍኣት ዝፈፀምዎ ጉድኣት ኣካላት ፀፅታ መንግስቲ ከምዝፈፀምዎ ኣምሲሎም ምፅብፃቦም ገሊፆም።

ኣብቲ ክልል እናተፈፀሙ ናይ ዘለዉ ፀገማት ብቐንዱ ተሓታቲ ጉጅለ ህወሓት ከምዝኾነ ምግላፆም ኢብኮ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.