Fana: At a Speed of Life!

ዶክተር ኣብራሃም በላይ “ህዝቢ ትግራይ እንትፅገም በይንኹም ትዋፅኡዎ ፀገም የለን” ብምባል ሓገዝ እናገበሩ ንዝርከቡ ህዝቢታትን ኣመራርሓታትን ኣመስጊኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር ኣብራሃም በላይ “ህዝቢ ትግራይ እንትፅገም በይንኹም ትዋፅኡዎ ፀገም የለን” ብምባል ሓገዝ እናገበሩ ንዝርከቡ ህዝቢታትን ኣመራርሓታትን ኣመስጊኖም።

እቶም ሚኒስትር ህዝቢ ትግራይ ንኢትዮጵያ ካብ ዝሃነፁ ሓደ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ይኹን እምበር ናይ ህዝቢ ዘይኮነስ ናይ ጉጅለ ዛዕባ ብምቕዳም ሃገር ንምብልሻው ዝሰርሑ ኣካላት ከምዘለዉ ኣብሪሆም።

ናይ ባዕሎም ድሌት ንምምላእ ንዝጓየዩ ጉጅለታት ተባሂሉ ዝፈርስ ሃገር ከምዘይህሉ እውን እቶም ሚኒስትር ተዛሪቦም።

ናይዞም ኣካላት ድሌት ከይዕወት ድማ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ብሓባር ብምዃን ሓድነት ሃገር ንኽቕፅል ምስራሕ ይግባእ ኢሎም።

ሃገር ዝህነፅ ብምትሕብባር እንትፅገም ብምትሕግጋዝ እንትሕጎስ ሓቢርካ ብምሕጓ ኢዩ ዝበሉ ዶክተር ኣብርሃም፥ ኢትዮጵያ ሓንቲ ኣካል ኢያ ክሳዳ ምቑራፅ ኣይከኣልን ክብሉ ገሊፆም።

ህዝቢ ትግራይ ሃገር ዝመስረተ፣ ሃገር ዘጠንከረ፣ ንሃገር መስዋእቲ ዝኸፈለ ከምዝኾነን ነዚ ዝዳፋእ ኣካል እንተሃሊዩ ታሪኽ ዘበላሹ ከምዝኾነን ኣገንዚቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.