Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ንዝተፈጠረ ሰብኣዊ ቀውሲ ተሓታቲ ህወሓት ኢዩ-ፕሮግራም ሰነድ ልምዓት ውሕመ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ንዝተፈጠረ ሰብኣዊ ቀውሲ ሓላፍነት ክወስድ ዝግበኦ እቲ ክልል ዝመርሕ ዝነበረ ህወሓት ከምዝኾነ ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ንዋና ፀሓፊ እቲ ትካል ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ኣብ ዝፀሓፎ ዕላዊ ገይሩ።

እቲ ፅሑፍ ዕላዊ ዝገበሮ ፎሬይን ፖሊሲ ዝተብሃለ መፅሄት ኢዩ።

ኣመሓዳሪ ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣቺም ስቴይነር ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ደም ዘፋስስ ጎንፂ ነክፍጠር ዝገበረ ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ኢትዮጵያ እንትመርሕ ዝነበረ ኣመራርሓ ህወሓት ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር መጥቃዕቲ ብምፍፃም ኣፅዋራት እዚ ሰሜን ንምቁፅፅር ዝዓለመ ምንቅስቓስ ከምዝገበረ ኣረዲኦም።

ነዚ ስዒቡ ዝኾነ ይኹን ሉእላዊ ሃገር መጥቃዕቲ እንትፍፀሞ ዓፀፋዊ ምላሽ ይህብ ኢዩ ኢሎም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን እዚ ምግባሩ ኣብቲ ፅሑፍ ብምሕባር፥ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ብዝተሰሓሓተ መገዲ ብምርድኡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘየድሊ ፅዕንቶ ይገብር ኣሎ ኢሎም።

ለጋሾችና የመብት ተማጋቾች ሁኔታውን ከማስጮህ ተቆጥበው በመልሶ ማልማትና በሰብዓዊ እርዳታ ስርጭት ላይ ትኩረት እንዲያደርጉ ምክረ ሃሳብ ስለማቅረቡ የተነገረለት ማስታወሻው፤ “ተፈጽመዋል የተባሉ የሰብአዊ መብት ጥሰቶች በኢትዮጵያ ሰብአዊ መብቶች ኮሚሽን መሪነትና በአለም አቀፉ ማህበረሰብ ተሳትፎ ሊጣሩ ይገባል” ብሏል።

ስለዝኾነ ተ/ለቕቲ ሰብኣዊ መሰል ነቲ ኩነታት ካብ ምውዕዋዕ ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ ትኹረት ክገብሩ ኣለዎም ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.