Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ታየ ኣፅቀስላሴ ምስ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዋሚ ልኡኽ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣምባሳደር ታየ ኣፅቀስላሴ ምስ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ትኹረት ከምዝገበሩ ኣባሳደር ታየ ገሊፆም፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ሓበራዊ ኣብ ዝኾኑ ዞባዊን ዓለም ለኻዊን ጉዳያት እውን ተዛቲዮም፡፡

ክልቲአን ሃገራት ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዘለወን ምትሕብባር ንምጥንኻር እውን ተስማዕሚዖም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.