Fana: At a Speed of Life!

ፅባሕን ድሕሪ ፅባሕን “ሓድነት ንኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ግዝኣታት ዋሸንግተን ዲሲን ኒውዮርክን ሰላማዊ ሰልፊ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፅባሕን ድሕሪ ፅባሕን “ሓድነት ንኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ግዝኣታት ዋሸንግተን ዲሲን ኒውዮርክን ሰላማዊ ሰልፊ ከምዝካየድ ኣብ ኣሜሪካ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ገሊፆም።

“ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝንዝሑ ናይ ሕሶት ፕሮፓጋንዳታት ምስሊ ኢትዮጵያ ካብ ምብልሻው ሓሊፉ ሉኣላውነት ሃገር ዝዳፈሩ ስለዝኾኑ እቲ ሓቂ ክፍለጥ ምግባር ክንቃለስ ኢና ክብሉ ኢዮም እቶም ኢትዮጵያውያን ገሊፆም ዘለዉ፡፡

ካብ ሞንጎ መተሓባበርቲ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣይተ ጣሰው መልኣከህይወት ካብ ዋሸንግተን ዲሲ ከምኡ እውን ኣይተ ቢንያም ጌታቸው ካብ ካሊፎርኒያ ምስ ግዜኢ ፃንሒት ገይሮም።

እቶም መተሓባበርቲ፥ መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዘካየዶ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ስዒቡ ተረፍ መረፍ እቲ ጁንታን ናቶም ደገፍቲ ሚዲያታትን ማሕበረሰብ ዓለም ንምስሕሓት ዝተፈላለዩ ፃዕሪታት እናገበሩ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

መንግስቲ፣ ማሕበረሰብ ዳያስፖራን ዝተፈላለዩ ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ብምትሕብባር ንትግራይ መሊስካ ንምጥያሽን እናተሰርሑ ዝርከቡ ሰብኣዊ ሓገዛትን ገዲፎም ናይ ሕሶት ሓበሬታ እናጋውሑ ይርከቡ ኢሎም።

እቲ ተግባር ምስሊ ኢትዮጵያ ካብ ምብልሻው ሓሊፉ ኣብ ልዕሊ ሉኣላዊነት ሃገር ዝተሃቀነ መጥቃዕቲ ስለዝኾነ ንኩሉ ኢትዮጵያዊ ዘናድድ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣብ ኣሜሪካ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ እዋናዊ ኩነታት እዛ ሃገር ይኹን ኣብ ልዕሊ ግድብ ህዳሰ ሱዳንን ግብፂ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ንምብፃሕ ዝፍትነኦ ፅዕንቶ ከምዘይዕገሱ እቶም መተሓባበርቲ ገሊፆም።

እዚ ንምቅዋም ድማ ፅባሕን ድሕሪ ፅባሕን ኣብ ግዝኣታተው ዋሸንግተን ዲሲን ኒውዮርክን ብዝምልከት ብዓለም ለኸ መራኸብቲ ሓፋሽ ዝፍነዉ ዝተዛብዑ ሓበሬታታት ሰላማዊ ሰልፊ ክካየድ ኢዩ።

ኣብቶም ሰላማዊ ሰልፊ ዝመሓላለፉ መልእኽታት፥ ኣብ ልዕሊ ሉኣላውነት ኢትዮጵያ ዝተሃቀነ ኢድ ኣእታውነት ከምዘየድሊ ዘገንዝቡ ከምዝኾኑ ምግላፆም ግዝኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.