Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዓመት ልዕሊ 3 ሚሊየን ኩንታል ፍርያት ህብ ኢዩ ዝተብሃለ ፋብሪካ ሽኮር በለስ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ንመዝዛም ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዓመት ልዕሊ 3 ሚሊየን ኩንታል ፍርያት ህብ ኢዩ ዝተብሃለ ፋብሪካ ሽኮር በለስ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ንመዝዛም እናተሰርሐ ምዃኑ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ሽኮር ኢትዮጵያ ኣይተ ወዮ ሮባ ኣፍሊጡ።

እቲ ፋብሪካ ቅድሚ ሸውዓተ ዓማውቲ ልዕሊ 235 ሚሊየን ዶላር ሃፍቲ ፈሲሱሉ ናብ ስራሕ ዝኣተወ ይኹን እምበር ኣብ ዝተሓሰበሉ ግዘ ናብ ምፍያት ከኣቱ ከምዘይከኣለ ተገሊፁ።

ህንፀቱ ዘካየዶ ነበር ኮርፖሬሽን ኢንጂነሪንግ ሓፂነ መፂን (ሜቴክ) ስርሑ ካብ ምጉታት ሓሊፉ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ትሕቲ ደረጃ ዝኾኑን ሽኮር ከፍርዩ ዘይኽእሉ ኮይኖም ምርካቦም እቶም ፈፃሚ ስራሕ ኣብሪሆም።

ዘለዎ ፀገም ብዕምቆት ብምግምጋም እቲ ፋብሪካ ካብ ዘለዎ ፀገም ንኽወፅእ ቅድሚ ሓደ ዓመት ንሓዱሽ ናይ ቻይና ተቛራፂ ከምዝተውሃበ ገሊፆም።

ንህንፀት እቲ ፋብሪካ ልዑል ሃፍቲን ንብረትን ካብ ምፍሳሱ ሓሊፉ ቀልጢፉ ናብ ፍርያት ብዘይምእታዉ ኣብ ኢኮኖሚ ሃገር ፅዕንቶ ምሕዳሩ ተዛሪቦም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ሓይሊ ሰብ ብምውሳኽን ትርፊ ሰዓት ብምስራሕን ከይዲ ህንፀቱ 87 ነጥቢ 7 ሚኢታዊ ክበፅሕ ከምዝኸኣለ ኣብሪሆም።

ከም ገለፃ እቶም ፈፃሚ ስራሕ፥ እቲ ፋብሪካ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ናብ ፍርያት ንምእታው እናተሰርሐ ይርከብ።

እቲ ፋብሪካ ብሙሉእ ዓቕሙ ምፍራይ እንትጅምር ኣብ ዓመት ልዕሊ ሰለስተ ሚሊየን ኩንታል ፍርያት ክህብ ኢዩ።

እዚ ድማ ኢትዮጵያ ኣብ ዓመት ተእትዎ 2 ሚሊየን ኩንታል ሽኮር ሙሉእ ብሙሉእ ዘትርፍ ኢዩ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.