Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ምስ ኣምባሳደር ጅቡቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ምስ ኣምባሳደር ጅቡቲ ኣብ ኢትዮጵያ መሓመድ ኢድሪስ ፋራህ ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራት ኣድሂቦም ብስፍሓት ዘቲዮም፡፡

ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ፥ ክልቲአን ሃገራት ኣብ መሰረተ ልምዓት፣ ንግዲን ምትሕብባር ህዝቢ ንህዝቢ ሓዊሱ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ከምዘለወን ገሊፆም፡፡

ጅቡቲ ንምንቅስቓስ ወፃኢን ኣታዊን ንግዲ ኢትዮጵያ ትህቦ ኣገልግሎት ዝነኣዱ እቶም ሚኒስትር፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ርክባት ዘለዋ ቆራፅነት ኣረጋጊፆም፡፡

ኣምባሳደር መሓመድ ብግደኦም፥ ንምርግጋፅ ልምዓትን ድሕንነትን ቀርኒ ኣፍሪካ ምስ ኢትዮጵያ ተቐራሪቦም ምስረሖም ከምዝቕፅሉ ገሊፆም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.