Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢኳቶሪያል ጊኒ ብዝበፅ ሓደጋ ምፍንጃር 15 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢኳቶሪያል ጊኒ ብዝበፅሐ ተኸታታሊ ሓደጋ ምፍንጃር 15 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ።

ባታ ኣብ ዝተብሃለ ከተማ ዝበፅሐ እቲ ሓደጋ ህይወቶም ካብ ዝሓለፉ ብተወሳኺ 500 ዝኾኑ ሰባት ቆሲሎም ተባሂሉ፡፡

መንግስቲ እታ ሃገር፥ እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ምፍንጃር ኣብ ውሽጢ ወታደራዊ ካምቦ ኣብ መቐመጢ ደማሚት ብዝተፈጠረ ዕሽሽታ ኢዩ ኢሉ፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ግን ምናልባት እውን ሓረስቶት ኣብ ከባቢ እቲ ካምቦ ዘሎ ሜዳ ቦታ ሓዊ ምቅፅፃሎም ንቲ ሓደጋ ምኽንያት ክኸውን ከምዝኽእል ተገሊፁ፡፡

በቲ ሓደጋ ጉድኣት ዝበፅሖም ዘተጋታት ህይወቶም ንምድሓን እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ድማ መንግስቲ ኢኳሪያል ጊኒ ዓለም ለኸ ሓገዝ ሓቲቱ፡፡

ፍልፍል፡- ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.