Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከይዲ ምርጫ ዝሳተለፋ ደቂ ኣኒስቲዮ ፆታ መሰረት ንዝገበረ ዘረባን መጥቃዕቲን ፅልኣት ንከይቃልዓ ምክልኻል ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ሎሚ ዘበን ኣብ ዝካየድ ምርጫ ዝሳተለፋ ደቂ ኣኒስቲዮ ፆታ መሰረት ንዝገበረ ዘረባን መጥቃዕቲን ፅልኣት ንከይቃልዓ ኣብ ምክልኻል ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ንኽከላኸሉ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

እቲ ኮምሽን ምስ ትካል ማዕርነትን ምብቃዕ ደቂ ኣኒስቲዮን ስርዓተ ፆታ ወድብ ሕቡራት መንግስታት ብምትሕብባር ኣብ እዋን ምርጫ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣኒስቲዮ ብዝበፅሑ መጥቃዕቲታት ብብርኪ ፌዴራል ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ኦሮሚያ፣ ሱማሌን ኣምሓራን ዳህሳሳዊ መፅናዕቲ ከምዝገበረ ሓቢሩ።

እቲ መጥቃዕቲ እውን ደቂ ኣኒስቲዮ ዝተፈላለዩ ስነ-ልቦናዊ፣ ኣካላዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ወሲባዊን ከምዝበፅሕወን ኣርእዩ ኢዩ ተባሂሉ።

ሕፁያት ደቂ ኣኒስቲዮ ፓርቲታት ፖለቲካ ነቶም መጥቃዕቲታት ተቓላዕቲ ካምዝኾና ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ዳህሳስ ቃለ መሕትት ዝተገበረለን ደቂ ኣኒስቲዮ፥ ብምኽኒያት ኣብ ፖለቲካ ዘለወን ተሳትፎ መንበሪን ንግዲን ኣናተን ከምዝተሓደጋ፣ ምእሳር፣ ኣካላዊን ፆታዊን መጥቃዕቲ ከምዝበፅሐን፣ ካብ ትካላት እምነት ምእጋድ ጀሚሩ ክሳብ ካብ ቤተሰብ ምግላል ዝበፅሑ ዝተፈላለዩ ፀገማት ከምዝተገቡ ኣረዲአን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.